Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ዶ/ር ኣቢይ፥ ኣባላት ቢሮ ሕብረት ኣፍሪካ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ካብ ኣፍሪካ ዝፍልፍል መፍትሒ ግድብ ህዳሰ ከምፅኡ ኣብ ዘኽእል ዛዕባ ዘድሃበ ዘተ ከምዘሳለጣ ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ኣባላት ቢሮ ሕብረት ኣፍሪካ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ካብ ኣፍሪካ ዝፍልፍል መፍትሒ ግድብ ህዳሰ ከምፅኡ ኣብ ዘኽእል ዛዕባ ዘድሃበ ዘተ ከምዘሳለጣ ኣፍሊጦም።

እቲ ዘተ ውፅኢታዊ ከምዝነበረ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፆም ፅሒፎም።

እቲ ኣኼባ ንኣፍሪካ ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ነቲ ኣኼባ ዘተሓባበሩ ፕሬዚዳንት ሕብረት ኣፍሪካ ሲሪል ራማፎሳን ኣቦ መንበር እቲ ሕብረት ሙሳ ፋኪን አመስጊኖም።

እቲ ትካል ንኣፍሪካ ልዑል ረብሓ ዘለዎም ዘተታት ንምክያድ ቅኑዕ ትካል ኢዩ እውን ኢሎም።

ብተወሳኺ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ንኹሎም ሰብ ብፅሒት ልዑል ኢኮኖሚያዊ ምዕባለን ናይ ሓባር ብልፅግናን ዝረኽብሉ ዕድል ከምዝሓዘ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.