Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ መበል 27 ስሩዕ ኣኼብኡ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ መበል 27 ስሩዕ ኣኼብኡ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ረቂቕ ደንቢ ልምዓት፣ ሓለዋን ኣጠቓቕማን ደኒ ጠሚቱ ኣብ ዝገበሮ ዘተ፥ ሃገርና ዘለዋ ሃፍቲ ደን ብኣግባቡ ንምልማዕ፣ ንምሕላውን ብዘላቕነት ንምጥቃመን፣ ብክሌማዊ ለውጢ ዘይብዳህ ኢኮኖሚ ንምህናፅ ዓሊሙ ኣብ ዝተሰናድአ ረቂቕ ደንቢ ድሕሪ ምዝታይ እታዎታት ወሲኹ ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ካብ ዝተሓተመሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንክውዕል ብሙሉእ ድምፂ ፀዲቑ።

ብምቕፃል ምስ ዓለም ለኸ ማሕበራት ልምዓት ዝተኸተሙ ሰለስተ ስምምዕነታት ደገፍ ፋይናንስን ምስ መንግስቲ ጣሊያን ኣብ ዝተኸተሙ 2 ስምምዐነታት ደገፍ ፋይናንስን ብዝምልከት ዝቐረበሉ ረቂቕ ኣዋጅ ድሕሪ ምዝታይ እታወታት በምውሳኽ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ ንክፀድቕ ብሙሉእ ድምፂ መሪሑ።

ብሄራዊ ኢንስቲትዩት ሓለዋ ጥዕና እንስሳት ብትካላት ልምዓት ንምጥያሽ ዝወፅአ ደንቢ ንምምሕያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ እውን እቲ ቤት ምኽሪ ዘቲዩ። ብተወሳኺ ትካላት ኢንስቲትዩት ደረጃታትን ኣገልግሎት መረጋገፅን ምዝገባን ሰነዳት ፌዴራልን ዝህብዎም ኣገለግሎታት ዝኽፈል ክፍሊት ኣገልግሎት ንምውሳን ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ ደንቢ እውን ዘቲዩ። ኣብቶም ረቂቕቲ ደንቢታት እታዎታት ብምውሳኽ ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሞም ድሕሪ ምውፃእ ኣብ ስራሕ ንክውዕሉ ወሲኑ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.