Fana: At a Speed of Life!

ብሄር ብሄረሰባት መበገሲን ሰብ ዋናን ዛንታ ብሄራዊነት ኢዮም-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መበል 18 መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት ህዝብታት ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፥ “እንኳዕ ናብ ንበዓል ኢትዮጵዊነት ኣብፀሐኩም” ብምባል ነቲ በዓል ዘዳለወ ክልል ሶማሌ አመስጊኖም።

ሎሚ ዘበን ዝኽበር ዘሎ በዓል ብሄር ብሄረሰባት ህዝብታት መሪሕ ሓሳቡ “ብዝህነትን ማዕርነትናን ንሃጋራዊ ሓድነት” ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ እዚ ድማ ናይ ኢትዮጵያዊነት በዓል ምዃኑ ዝገልፅ ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያዊነት ማለት ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ማእኸል ዝገበረ ሃገራዊ ማንነት ምዃኑ እውን ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያዊነት ብሓደ ገፅ ብዙህነት ብሄር ብሄረሰባት ህዝብታት ዝቕበል፤ ብኻሊእ ገፅ ድማ ነቲ ብዙህነት ኣዛሚዱ ዝሓዘን ንዘበናት ዝተሳገረን ጠንካራ ሓድነት ኣሎ ኢሉ ዝኣምን ኢዩ ኢሎም።

እቲ በዓል ኣብ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ዝተደረኸ ብሄራዊ ዛንታ እንሃንፀሉ በዓል ከምዝኸውን እምነተይ እዩ ክብሉ ገሊፆም።

ብሄራዊነት ሃገር ንምክፍፋልን ንምድኻምን ካብ ዝተሃነፀ ለፀላ ዛንታ እንወፅአሉ መገዲ ኢዩ ኢሎም ኣብ መግለፂኦም።

ፖለቲካዊ ታሪክና ዘይኮነስ ማሕበራዊ ታሪኽና ብምጉላህ፣ ብዛዕባ ናይ ፅባሕ ዕድልናን ስራሕናን ብምርኣይ፣ ኣብ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ዝተሰረተ ሓደ ናይ ፖለቲካን ኢኮኖሚን ማሕበረሰብ ንምህናፅ ዘኽእል ገዛኢ ዛንታ ኢዩ ኢሎም።

ብሄር ብሄረሰባት መበገሲን ሰብ ዋናን ዛንታ ብሄራዊነት ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ንኢትዮጵያ ዘይሃነፀ፣ ንኢትዮጵያ ዋጋ  ዘይከፈለ ህዝቢ ከምዘየለ ብምግላፅ፥ ኩሎም ብሄር ብሄረሰባት ኣብ ዝሃነፅዎን ዋጋ ዝኸፈሉላን ኢትዮጵያ ብፍትሓዊነት፣ ማዕርነትን ነፃነትን ናይ ምንባር መሰል ኣለዎም ክብሉ ኣብሪሆም።

ንኢትዮጵያን ካብ ልመና ናይ ምድሓንን መሰረት ምዕባለ ናይ ምንባርን ግቡእ ኣለዎም ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ብሄራዊ ዛንታ ነቲ ብዙህነትን ሓድነትን ማእኸል ዝገበረ ኣተሓሳሳቢ ዛንታ ከምዝኾነ ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.