Fana: At a Speed of Life!

ብሕብረት ዝጠንከረት፣ ብብዙህነት ዝወቀበት ህብረ ብሄራዊት ሃገር-ኢትዮጵያ-ኣገልግሎት ኮሚኒኬሸን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ ዘበን ዝኽበር ዘሎ መዓልቲ ብር ብሄረሰባት ህዝብታት “ብዙህነትን ማዕርነትን ንሃገራዊ ሓድነት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብብርኪ ሃገር ተኸቢሩ።

እቲ ኣገልግሎት፥ ንመላእ ኢትዮጵያዊያን ናይ አንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ኢትዮጵያ ብዙሕ ፅባቐ ዘለዋ፣ ብብዙህነት ዝወቀበት፣ ሕብረት ዘጠንከራ ሀዝረ ብሄራዊት ሃገር ኢያ ብምባል፥ ብዙህነትና መግለፂና፤ ሓድነትና ናይ ጥንካረና ፍልፍል ኢዩ ኢሉ።

በቢዘበኑ ዘጋጠሙ ሃገራዊ ፈተናታት ብሓባር ምሽጋር ምኽኣልና ሓድነትና ናይ ጥንካረና ፍልፍል ብዛዕባ ምዃኑ እኹል መረዳእታ ኢዩ ብምባል ገሊፁ።

እዚ ፍልፍል ጥንካረ ዝኾነ ሓድነት ኣተኣማማኒን ዘላቒን ንክኸውን ማዕርነትን ፍትሓውነትን መሰረት ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ክኾኑ ይግባእ ኢሉ።

ስለዝኾነ ሎሚ ዘበን ዝኽበር ዘሎ መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት ህዝብታት አንትኽበር ሃገራዊ ሓድነት መስ ብዙህነትን ማዕርነትን መዝማድ ከምዝግባእ ገሊፁ።

ክብርታት ማዕርነትን ሓድነትን ብምጉልባት ሃገራዊ ሓድነት በዝበለፀ ምጥንካር ሕርያ እንተይኮነስ ጉዳይ ህልውና ኢዩ ኢሉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.