Fana: At a Speed of Life!

ብገበን ኣገዲድካ ምድፋር ዝተኸሰሱ ውልቀ ሰባት ካብ 11 ክሳብ 25 ዓመት ዝበፅሕ ማእሰርቲ ተበይኑሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብገበን ኣገዲድካ ምድፋር ዝተኸሰሱ ውልቀ ሰባት ብ25ን ብ11 ዓመትን 9 ወርሒን ፅኑዕ ማእሰርቲ ተበይኑሎም።

ወዲ 64 ዓመት ተኸሳሲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2011 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፍለከተማ ኣቃቂ ዕድሚአን ሸሞንተን ትሽዓተን ዓመት ንዝኾና ክልተ ህፃናት ደቂ ኣንስቲዮ ኣብ ዝተፈላለየ መዓልቲታት ተኻርዩ ካብ ዝነብረሉ ገዛ ገበን መጥቃዕቲ ኣገዲድካ ምድፋር ፈፂሙለን ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ተኸሳሲ ገበን ሕጊ ዓንቀፅ 627(1) ተመሓላሊፉ ስለዝተረኸበ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴሪኢ ቤት ፅሕፈት ምድብ ኣቃቂ ቃሊቲ ኣርባዕተ ክሲታት መስሪቱሉ።

ተኸሳሲ ናብ ቤት ቀሪቡ ክሱ ክሒዱ ዝተኸራኸረ ይኹን እምበር፥ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ተኸሳሲ መረዳእታ ኣቕሪቡ ስለዘስመዐ ከምኡ እውን ተኸሳሲ ዝተኸሰሰሉ ክሲ ውድቂ ክገብር ብዘይ ምኽኣሉ ቤት ፍርዲ ንተኸሳሲ ብኣርባሕቲኦም ክስታት ትፍኣተኛ ኢሉዎ።

ስለዝኾነ 16 ሰነ 2012 ዓ.ም ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ ብ25 ፅኑዕ ማአእሰርቲ ንኽቕፃዕ ተበይኑሉ።

ብተማሳሳሊ ዜና ኣብ ክፍለ ከተማ የካ ወረዳ 6 ጓል 15 ዓመት ዝኾነት ጓል ሰበይቱ ዝዓመፀ ውልቀ ሰብ ብ11 ዓመትን 9 ወርሒን ፅኑዕ ማእሰርቲ ንኽቕፃዕ ተበይኑሉ።

ኣብ ቀረባ እዋናት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዝፍፀሙ ገበናት ቁፅሮም እናወሰኸ ብምምፅኡ ሕብረተሰብ ጥንቃቐ ንኽግበርን እቲ ተግባር ተፈፂሙ እንትርኢ ብቕልጡፍ ንኣካላት ፀፅታ ከፍልጥ ከምዝግባእ ምግላፁ ካብ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.