Fana: At a Speed of Life!

ብ230 ሚልየን ብር ዝትግበር ኣብ ዳግመ ህንፀት ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ዘድሃበ ፕሮጀክት ዕላዊ ክግበር እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዳግመ ህንፀት ኣብያተ ትምህርቲን ምድሓን ህፃናትን ክልል ትግራይ ዝጠመተ ፕሮጀክት ፅባሕ ዕላዊ ከምዝግበር ተገሊፁ።

እቲ ፕሮጀክት ብ230 ሚልየን ብር ዝትግበር እንትኸውን÷ ብምትሕብባር ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይን ኢማጅን ዋን ደይን ዝፍፀም ኢዩ ተባሂሉ ።

ኣብ ወረዳታት ናዕዴር፣ ዓዴት፣ ሽረ፣ ዓድዋ ፣ኣኽሱም፣ ዓብይ ዓዲ፣ ቀይሕ ተኽሊ፣ ቆላ ተምቤን፣ ጣንቋ ምላሽ፣ ዓዲግራት፣ መቐለ፣ ማይጨው፣ መኾኒ፣ ራያ ዓዘቦን ራያ ጨርጨርን ብድምር ኣብ 17 ወረዳታት ተግባራዊ ከምዝግበር እውን ተሓሩ።

ስነ-ስርዓት ዕላውነት እቲ ፕሮጀክት÷ ኣብ ከተማ መቐለ ከም ዝሳለጥ ቢሮ ትምህርቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.