Fana: At a Speed of Life!

ትካላት ንጉዱኣት ኣካል ምቹው ኩነታት ናይ ምፍጣር ማሕበራዊ ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካላት ንጉዱኣት ኣካል ምቹው ኩነታት ናይ ምፍጣር ማሕበራዊ ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ከምዝግባእ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ፃውዒት ኣቕሪቡ።

‘ጉዱኣት ኣካል ኩለመዳይ ተረባሕነትን ዘላቒ ሸቶታት ልምዓት ንምዕዋት ትርጉም ዘለዎ ምትሕባር!’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መዓልቲ ጉዱኣት ኣካል ብብርኪ ዓለም ንመበል 32 ግዘ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ንመበል 31ግዘ ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ከተማ ኣሶሳ ተኸቢሩ።

እቲ መዓልቲ ኣመልኪተን መልእኽቲ ዘመሓላለፋ ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር)÷ መዳርግቲ ኣካላት ኩለመዳይ ተሳትፎን ተረባሕነት ጉዱኣት ኣካል ንምርግጋፅ ፃዕሪ እናገበሩዎ ዝርከቡ ሓገዝ ኣጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ሓቲተን።

ጉዱኣት ኣካል ናብረኦም ንኽመሓየሽ ተዋዲድካ ምርብራብ ከመዘድ ብምሕባር፤ ነዚ ዝሕግዝ ዘገድድ ሕጊ ንኽህሉ ብዕቱን ከምዝስራሕ ገሊፀን።

ትካላት ንጉዱኣት ኣካል ምቹው ኩነታት ናይ ምፍጣር ማሕበራዊ ሓላፍነቶም ክዋፅኡ እውን ፃውዒት ኣቕሪበን።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.