Fana: At a Speed of Life!

ቻይና “ቺፕ” ንዘፍርይ ኣሜሪካዊ ኩባኒያ ኣጊዳ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ግንቦት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ብኣሜሪካዊ ትካል መፍረ ሜሞሪ ቺፕ ዝዀነ ማይክሮን ቴክኖሎጂ ዝተሰርሐ ፍርያት ንሃገራዊ ድሕነት ሓደጋ ምዃኑ ገሊፃ።

ተቖፃፃሪ ሳይበርስፔስ እታ ሃገር ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፥ እቲ ዝዓበየ ሰራሒ ሜሞሪ ቺፕ ኣሜሪካ “ከቢድ ሓደጋታት ድሕነት መርበብ” ከም ዘስዕብ ሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ እቲ ፍርያት ኣብታ ኣብ ዓለም ካልኣይ ዝዓበየ ቁጠባ ዝወነነት ሃገር ኣብ ዝካየዱ ቁልፊ ፕሮጀክትታት ትሕተ ቅርፂ ከምዝእገድ ተገሊፁ።

ኣብ መንጎ ቤጂንግን ዋሽንግተንን ዘሎ ወጥሪ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፥ ቻይና ኣንፃር እቲ ትካል ካብ ዝወሰደቶም ስጉምታት እቲ ዝዓበየ እዩ ተባሂሉ።

ምምሕዳር ሳይበርስፔስ ቻይና (CAC) “እቲ ዳግመ ግምት ፍርያት ማይክሮን ከቢድ ናይ ኔትወርክ ድሕነት ሓደጋታት ከም ዘለዎም ኣረጋጊጹ ኣሎ። እዚ ድማ ንሰንሰለት ቀረብ ትሕተ ቅርፂ ሓበሬታ ቻይና ልዑል ናይ ፀጥታ ሓደጋታት ዘስዕብን ንሃገራዊ ድሕነት ቻይና ዝፀልዎን እዩ” ኢሉ።

ከም ፀብፃብ ቢቢሲ፥ ሲኤሲ ብዛዕባ እቲ ረኺበዮ ዝበሎ ሓደጋታትን ዝርዝር ሓበሬታ ከምዘይሃበ ተሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.