Fana: At a Speed of Life!

ናይ ‘’ሌማት ትሩፋት’’ ፅባቐ ኢትዮጵያ ካብ ዝቐየሩ ዓድዋታት እዚ ትውልዲ ሓደ ኢዩ-ም/ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ‘’ሌማት ትሩፋት’’ ፅባቐ ኢትዮጵያ ካብ ዝቐየሩ ዓድዋታት እዚ ትውልዲ ሓደ ኢዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
ሃገራዊ መርሃ ግብሪ መድረኽ ገምጋም ኣፈፃፅማ ትልሚ ‘’ሌማት ትሩፋት’’ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ፥ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፣ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት፣ ሚኒስትራት የኣመራርሓን ሰብ ሞያን ዓውዲ ግብርና ተረኺቦም።
ም/ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ መልእኽቶም፥ ስራሕቲ ሌማት ትሩፋት ከምሃገር እንትጅመር ኣርባዕተ ቀንዲ ዕላማታት ኣለውዎ ኢሎም።
ንሳቶም እውን፥ ምስሳን ፍሪያትን ዕዳጋ ምርግጋዕ፣ ኣብ ንግዲወወፃኢ ምስታፍ፣ ካብ ወፃኢ ዝኣዉ ፍሪያታት ምተካእን ምፍጣር ዕድል ስራሕን ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።
እዚ ስራሕ ልእላውነት ምግብና ንምርግጋፅ ወሳኒ ብምዃኑ፥ መላእ ህዝቢ፣ ሞያተኛታትን ተሳትፎ ኣመራርሓን ከምዘድሊ ገሊፆም።
ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር) ብግደኦም፥ ኣፈፃፅማ እቲ ሌማት ትሩፋትን ዝተረኸቡ ውፅኢታትን ዝጠመተ መደረ ኣስሚዖም።
ብፍሬህይዎት ሰፊው
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.