Fana: At a Speed of Life!

ንላዕለዎት ኣመራርሓ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ እናተውሃበ ዝፀንሐ ስልጠና ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ 17 ሕዳር 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ኣካዳሚ ልህቀት ኣመራርሓ ኣፍሪካ ንላዕለዎት ኣመራርሓ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ እናተውሃበ ዝፀንሐ ስልጠና ተዛዚሙ።

እቲ ስልጠና ኣብ ትካላዊ ሪፎርም፣ ስነ ምግባርን ኣመራርሓ ለውጢን ከምኡ እውን ሃገራዊ ለውጢ ስዒቡ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝወገኖም ተግባራት ሪፎርም ትኹረት ዝገበረ ከመዝኾነ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ናብ ጣቢያና ዝለኣኾ መግለፂ የመላኽት።

ኣዛዚ ላዕለዋይ መምርሒ ምክልኻል ገበን ፖሊስ ፌደራል ምክትል ኮሚሽነር ጀነራል መላኩ ፈንታ፥ ዓቕሚ ኣፈፃፅማ ፖሊስ ንምጉልባት ንሃፍቲ ሰብ፣ ምክልኻል ገበንን ስራሕቲ ምርመራን ዝሕግዙ ዘበናዊ ዕጥቂታትን ቴክኖሎጂታትን ዝተማልኡ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ሰላምን ድሕንነትን ምርግጋፅ ዝከኣል ኣብ ትካል ፖሊስ ጥንኩር ኣመራርሓ ብምፍጣር ክዝኾነ ብምሕባር፥ ኣባላትን ኣመራርሓን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ሃገራዊ ፃውዒት ተቐቢሉ ግቡኡ እናተዋፀአ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኮሚሽነር ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ጌቱ ኣርጋው ብግደኦም÷ እቲ ስልጠና ልኡኽቶ መበገሲ ብምግባር ከምዝተኻየደን በቢብርኩ ንዝርከቡ ኣመራርሓን ኣባላትን ከምዝወሃብን እውን ኣብሪሆም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.