Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ጃፓንን ብዓውዲ ልምዓት ሆርቲካልቸር ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ጃፓንን ብዓውዲ ልምዓት ሆርቲካልቸር ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዐን።

ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ግብርና መለሰ መኮንን (ዶ/ር)ን ተወካሊ ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ምትሕብባር ልምዓት ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ሞሪሃራ ካሱኪ ክታሞም ኣንቢረሙሉ።

እቲ ስምምዕነት ዓቕሚ ምልማዕ ሆርቲካልቸር ኣናእሽቱ ሓረስቶት ንምጉልባት ዝሕግዝ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ኣብቲ ዝተኸተመ ካልኣይ ምዕራፍ እቲ መርሃ ግብሪ ክልላት  ደቡብን ሲዳማን ንምስራሕ ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ።

እቶም ሚኒስትር ዴኤታ፥ መንግስቲ ጃፓን ኣብ ልምዓት ሆርቲካልቸር ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምስራሕ ዘለዎ ባህጊ ንኢዶም።

ሞሪሃራ ካሱኪ ብግደኦም፥ እቲ ፕሮጀክት ነቶም ሓረስቶት ኣብ ዓውዲ ልምዓት ሆርቲካልቸር ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ምባሎም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.