Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ንክህልዋ እትገብሮ ፃዕሪ መሻርኽቲ ኣካላት ንክድግፉ ፃውዒት ኣቕሪባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ንክህልዋ እትገብሮ ፃዕሪ መሻርኽቲ ኣካላትን መንግስታትን ንክድግፉ ፃውዒት ኣቕሪባ።

ኣብ ዱባይ ምስ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ኮፕ28 ጎኒ ንጎኒ በሪ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ዘተ ኣካይደን።

ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕብራት መንግስታት ሓዊሱ መራሕቲ ሸሞንተ ሃገራት ኣብ ዝተረኸብሉ እቲ መድረኽ፥ ሚኒስተር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ቅዋም ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጦም።

ኢትዮጵያ ክሌማዊ ለውጢ ንምክልኻል ትሰርሕ ከምዘላ ብምግላፅ፥ ንኣብነት ባቡር ምድሪ ኢትዮ-ጂቡቲ ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ንክንቀሳቐስ ምግባር ምኽኣላ ሓቢሮም።

ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ንክህልዋ እትገብሮ ፃዕሪ መሻርኽቲ ኣካላትን መንግስታትን ንክድግፉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብሚኪያስ ኣየለ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.