Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ብፍሉይ ካብ ሞንጎ ትፍለጠሎም ጉዳያት ሓምለዋይ ኣሰር ሓደ ክኸውን ኢዩ – ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀፃሊ ኢትዮጵያ ብፍሉይ ካብ ሞንጎ ትፍለጠሎም ጉዳያት ሓምለዋይ ኣሰር ሓደ ከምዝኸውን ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ወይዘሮ ጫልቱ ሳኒ ገሊፀን።

እተን ሚኒስትር÷ ኢትዮጵያ ኣብ ጉባኤ ንብረት ኣየር ኮፕ28 ሒዛ ዝቐረበቶ ዓውደ ምርኢት ዝምልከት መብርሂ ሂበን።

ኣብ መብርሂአን ድማ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውደ ምርኢት ሒዛቶ ዝቐረበት ውፅኢት ሓለዋ ከባቢ ቆራፅነት ኣመራርሓን ዝረአየሉ መድረኽ ብምዃኑ÷ መራሕቲ ብኢኮኖሚ ዝዓበያ ሃገራት እንተይተረፈ ኢትዮጵያ ኣብ ሓለዋ ከባቢ እናሰርሐቶ ትርከብ ተግባርን ብዘምፀአቶ ውፅኢትን ምንኣዶም ገሊፀን።

ብምዃኑ ድማ መራሕቲ ብዝገበሩዎም መደረታት ኣብቲ ዓውዲ ተሞክሮ ኢትዮጵያን ከም መርአዪ እናፀርሑ ከምዝተርኣየ ኣልዒለን።

ኣብ ቀፃሊ ኢትዮጵያ ብፍሉይ ካብ ሞንጎ ትፍለጠሎም ጉዳያት ሓደን እቲ ቀንዲን ሓምለዋይ ኣሰር ከምዝኸውን ዝሓበራ እተን ሚኒስትር÷ “ኢትዮጵያ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዘርአየቶ ተበግሶን ዝረኸበቶ ውፅትን ንዓለም ዓብዪ ትምህርቲ እናሃበ ምዃኑ ዘርኢ ኢዩ” ክብላ ገሊፀን።

ጉዳይ ሓለዋ ከባቢን ሓምለዋይ ኣሰርን ንኢትዮጵያ ጉዳይ ህልውና፣ መረጋገፂ ውሕስና ምግቢን ዕድል ስራሕ ዝፍጠረሉን ዓብዪ ዕድል ከምዝኾነ ተዛሪበን።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.