Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ክሌማዊ ለውጢ ንምክልኻል ብናይባዕላ ዓቕሚ እናገበረቶ ትርከብ ፃዕሪ ኣብነት ዝኸውን ኢዩ – ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ክሌማዊ ለውጢ ንምክልኻል ብናይባዕላ ዓቕሚ እናገበረቶ ትርከብ ፃዕሪ ንሃገራት እቲ ዞባ ኣብነት ዝኸውን ከምዝኾነ ዋና ፀሓፊ በዓል መዚ በይነ መንግስታት ልምዓት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር) ኣብ ሕቡራት ዓረብ ኤምሬትስ ዱባይ ዝተሰናደአ መካነ ርእይ /ፓቪሊዮን/ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ  ዑደት ገይሮም፡፡

ኣብቲ እዋን ሃገራት ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ብክሌማዊ ለውጢ ዝተጎድኣ ከምዝኾና ብምሕባር፤ እዚ ምክልኻል እንተዘይተኻኢሉ ድማ እቲ ዞባ ብልዑል ኩነታት ክጥቃዕ ከምዝኽእል ኣብሪሆም፡፡

“ሃገራት እቲ ዞባ ክሌማዊ ለውጢ ንምክልኻል ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት ይወስዳ ኢየን” ዝበሉ ወርቅነህ (ዶ/ር)÷ ኢትዮጵያ እውን ነቲ ዞባ ኢሉ እውን ንዓለም ዘቕረበቶ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

እዚ ድማ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ክሌማዊ ለውጢ ንምክልኻል ብናይባዕላ ዓቕሚ እናገበረቶ ትርከብ ፃዕሪ ኣብነት ዝኸውን ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለም ለኸ እውን ፅዕንቶ ክሌማዊ ለውጢ ንምክልኻል ኣብ ዝግበሩ ፃዕሪታት ብዝለዓለ ደረጃ እናተሳተፈት ምዃና ተዛሪቦም፡፡

ብፌቨን ቢሻው

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.