Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮ ቴሌኮም ኣገልግሎት ኔትዎርክ ሞባይል 5ጂ  ኣብ ክልል ሶማሌ ኣጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ኣፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ ኣገልግሎት ኔትዎርክ ሞባይል 5ጂ  ኣብ ክልል ሶማሌ ኣጀሚረን።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልለ ሶማሌ ኢብራሂም ኡስማን ሓዊሱ ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እቲ ክልል፣ ነበርቲን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ዝተጀመረ ኣገልግሎት ኔትዎርክ ሞባይል 5ጂ ብዙሓት ሓደስቲ ስራሕቲ ንምምሃዝን ናብ ትግበራ ዘይተለወጡ ሓሳባት ንምልዋጥን ዝሕግዝ ኢዩ ክብላ እተን ዋና ኣፈፃሚት ስራሕ ተዛሪበን።

ዲጂታል ኢኮኖሚ ብምስላጥ ዲጂታል ኢትዮጵያ ዕላዊ ንምግባር ዝግበር ጉዕዞ ከምዘቀላጥፍ እውን ሓቢረን።

ብቅድስት ኣባተ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.