Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ጋዛ ምእታዉ ምርግጋፃ ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ተሽከርከርቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ብግዚያዊ ተንሳፋፊ ደው መበሊ ተሽከርከርቲ ኣቢሉ ናብ ጋዛ ምእታዉ ምርግጋፃ ኣፍሊጣ።

ኣስታት 2 ነጥቢ 2 ሚሊየን ፍልስጤማውያን ሓገዝ ምግቢ፣ መፅለሊን ካልኦትን ከምዘድሊዮም ተገሊፁ።

ሓገዝ ብመሬት ናብ ጋዛ ምብፃሕ ሓደገኛ ብምዃኑ ካልኦት ኣማራፅታት ምጥቃም ግዴታ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ኣብ ማይ ግዚያዊ ደው መበሊ ተሽከርከርቲን መርከብን ብምህናፅ ናብ ጋዛ ሓገዝ ንምብፃሕ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ተሓቢሩ።

ነዚ ስዒቡ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣሜሪካ እቲ ደገፍ ኣብ ዝተደለየ ቦታ ከምዝበፅሐ ምርግጋፃ ኣፍሊጣ።

ኣብ ዝቕፅሉ መዓልታት ኣስታት 500 ቶን ሰብዓዊ ሓገዝ ናብ ጋዛ ክኣቲ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ማእከላዊ እዚ ኣሜሪካ ምፍላጡ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.