Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መበገሲ ሰነድ መሪሕ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ዘድሃበ ህዝባዊ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብኣተሓባባሪነት ኮሚሽን ፕላንን ልምዓትን ፌዴሪኢ እናተዳለወ ዝርከብ ሰነድ መሪሕ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ዘድሃበ ህዝባዊ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መሪሕ ትልሚ ኣድሂቡ ዝሳጥ ዘሎ መድረኽ ህዝባዊ ዘተ፥ ሎሚ መዓልቲ ሓዊሱ ን11 መዓልቲታት ዝሃየድ ምዃኑ እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ።

እቲ መድረኽ ዘተ መዳርግቲ ኣካላት ኣብቲ መሪሕ ትልሚ ምእንታን ምስታፍ ክኽእሉ፣ ዝተፈላለዩ ውፅኢታት መፅናዕቲ ከም ቀንዲ እታወት ዝወሰደ እቲ ትልሚ መበበገሲ ብምግባር ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ብዝእከብ እታወት ንኽምዕብልን ካብ መዳርግቲኣካላት ዝለዓሉ ሕቶታት መብርሂ ንመሃብን ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ዘተ፥ መበገሲ ሰነድ መሪሕ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ብሓለፍቲ ኮሚሽን ፕላንን ልምዓትን ቀሪቡ ምይይጥ እናተገበረሉ ይርከብ።

ካብዚ ብተወሳኺ ፅባሕ 23 ሰነ 2012 ዓ.ም ዘፈር ሕርሻ፣ 24 ሰነ ዘፈር ልምዓት ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ፣ 25 ሰነ ዘፈር ልምዓት ቱሪዝም፣ 26 ሰነ ዘፈር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን መሰረተ ልምዓትን፣ 30 ሰነ ልምዓት ፋይናንስ፣ 3 ሓምለ ዘፈር ፍትሒን ሰናይ ምምሕዳርን ከምኡ እውን 4 ሓምለ ዘፈራት ልምዓት፣ ሰላምን ኣሳታፋይነት ኣድሂቡ ዘተ ክግበር ኢዩ ተባሂሉ።

እቶም መድረኻት ዘተ ብቀጥታ ፈነወ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፋና ቴሌቪዥን ክመሓላለፉ ኢዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.