Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዝዓበየ መፈልፈሊ ሓይሊ ንፋስ ኣብ ክልል ሶማሌ ክህነፅ ኢዩ

ኣዲስ እበባ፣ 23 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)600 ሚሊየን ዶላር ወፃኢ ዝግበረሉ 300 ሜጋ ዋት ዘፈልፍል ዝኽእል መፈልፈሊ ሓይሊ ንፋስ ኣብ ክልል ሶማሌ ክህነፅ ኢዩ፡፡

እዚ ጋህዲ ንምግባር ሚኒስቴር ገንዘብ ምስ ኩባንያ ፓወር ኣሜኣ ስምምዕነት ተፈራሪሙ፡፡

ኣብ ክልል ሶማሌ ከባቢ ኣይሻ ዝርከብ መፈልፈሊ ሓይሊ ንፋስ÷ 300 ሜጋ ዋት ሓይል ከፈልፍል ዝኽእል ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እቲ መፈልፈሊ ሓይሊ ንፋስ ብሓፈሻ 600 ሚሊየን ዶላር ወፃኢ ዝግበረሉ እንትኸውን÷ ፓወር ኣሜኣ ብዝተብሃለ ኩባኒያ ሕቡራት ኢምሬታት ዓረብ ከምዝስራሕ ተሓቢሩ፡፡

ብማዕቐፍ መንግስቲን ብውልቀ ኣልማዕን ዝስራሕ ዝዓበየ ስምምዕነት ኢንቨስትመንት ከምዝኸውን ከምኡ እውን ካብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዝዓበየ መፈልፈሊ ሓይሊ ንፋስ ክዝኸውን ኢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.