Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ብሄራዊ ፓርክ ጎቦታት ሰሜን ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ንምጥፋእ ርብርብ እናተገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ብሄራዊ ፓርክ ጎቦታት ሰሜን ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ንምጥፋእ ርብርብ እናተገበረ ምዃኑ ምምሕዳር ዞባ ሰሜን ጎንደር ኣፍሊጡ፡፡

ካብ 10 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም ምሸት ሰዓት 3 ጀሚሩ ኣብቲ ፓርክ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ንምጥፋእ ጎስጓስ ህዝቢ ብምፍጣር ርብርብ እናተገበረ ከምዝኾነ ምኽትል ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ቢምረው ካሳ ተዛሪቦም፡፡

ብሓይሊ ሰብ ዝከኣል ንምቁፅፃር ፃዕሪ ከምዝተገበረ ብምሕባር፤ ሰብ ኣብ ዘይበፅሖም ገደላማ ከባቢታ ዘሎ ግን ምቁፅፃር ከምዘይተኸኣለ ንኣሚኮ ገሊፆም፡፡

ናይ ዑደት ማሕበራት፣ ሰራሕተኛታት እቲ ፓርክ፣ ሓለፍ ስራሕ ዞባን ወረዳታትን፣ ዩኒቨርሲቲ ደባርቕን ካልኦትን እቲ ባርዕ ንምቁፅፃር ልዑል ፃዕሪ እናገበሩ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.