Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ኣብ ልሙዕነት ሓመድን መፍረይነትን ጠመተ ዝገበረ ዋዕላ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ልሙዕነት ሓመድን መፍረይነትን ጠመተ ዝገበረ ዋዕላ ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ መድረኽ፥ በምትሕብባር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፥ ቶፕ ተፈጥራዊ መዳበርያን ፀረ ባልዕን ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበርን ትካል ተራድኦ ኣሜሪካን(ዩ ኤስ ኣይዲ)ን ዝተዳለወ ኢዩ ተባሂሉ።

ሓመድ ብተፈጥራዊ ድዕኺ/ኮምፖሰት /ብምልማዕን ብምሕካምን መፍረይነት ሕርሻ ብምብራኽ ሓረስቶት ምሕጋዝ ከምዝከኣል ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ።

ምክትል ሓላፊ ቦሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን አይተ ኣበራ ከደነው፥ ቀፃልነት ዘለዎ ፍሪያት ሕርሻ ንምርግጋፅ ጥዕና ሓመድ ምርግጋፅን ሓመድ ብተፈጥራዊ ድኹዒ ብምጥቃም መፍረይነት ሕርሻ ምድንፋዕን ከምዝከኣል ሓቢሮም።

ነዚ ድማ፥ ኣብ 21 መዓልቲ ዝባፅሕ ኮምፖስትን ካልኦት ምህዞታትን ብምጥቃም ሓመድ ብተፈጥራዊ ድኹዒ ብምልማዕን ብምሕካምን ምህርቲ ምስሳን ከምዝከኣል ምዝራቦም ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.