Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኡጋንዳ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ንሃገር መከላከያ ሰራዊት ዘለዎም ድጋፍ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ ፣  25 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኡጋንዳ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ንሃገር መከላከያ ሰራዊት ዘለዎም ድጋፍ ገሊፆም።

እቶም ኢትዮጵያውያን ብኣሸባሪ ህወሓት ጉጅለ ትዕቢት ዝተኸፈተና ወረራ ንምምካት ኣብ ግንባር እናተዋደቐ ምስ ዘሎ ናይ ሃገር መከላከያ ሰራዊት ጎኒ ደው ከምዝብሉ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኡጋንዳ ኣምባሳደር አለምፀሐይ መሰረት፥ እቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዘብፅሖ ዘሕፍር መጥቃዕቲ ኣዘኻኺረን።

ሐዚ ድማ መነግስቲ ዝወሰዶ በይናዊ ደው ምባል ተዂሲ ስጉምቲ ብምንዓቕ ህፃናት ናብ ኲናት እናሳወረ ከምዝኾነ፣ ኣብ ኣምሓራን ዓፋርን ንዘለዉ ንፁሃን ዜጋታት ብገፍ ምጥቅዑ፣ ናይ ወልቀ ንብረት እንተይተረፈ ሕግታት ዓለም ብምጥሓስ መሰረተ ልምዓታት ምዕናዉ ገሊፀን።

ሕድሕድ ሃገር ፈታዊ ኢትዮጵያዊ ኣብዘለለዎ ብምዃን ናይቲ ሰራዊት ደጀን ብምዃን ሃገር ምሕላው ግዴትኡ ከምዝኾነ እተን ኣምባሳደር ገሊፀን።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ተሳተፍቲ ኣብዚ ወሳኒ እዋን ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ህዝብን ደው ብምባል ትፅቢት ትፅቢት ዝግበረሎም ኩሉ ንምግባር ድልውነቶም ገሊፆም።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.