Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 250 ሰባት እንትርከቡ 8 ሰባት ድማ ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 5 ሺሕን 414 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 250 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ሸሞንተ ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ እውን ሚኒስትር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዕድሚኦም ካብ 3 ወረወሒ ክሳብ 90 ምዃኖም ዝገለፃ ዶክተር ሊያ፥ ፀታኦም ድማ 158 ደቂ ተባዕቲዮ 98 ድማ ደቂ ኣንስቲዮን ከምዝኾኑ ሓቢረን።

በቲ ቫይረስ ምትሓዞም ዝተረጋገፁ 240 ሰባት ኢትዮጵያውያን እንትኾኑ፥ ዓሰርተ ድማ ሰብ ናይ ወፃኢ ዜግነት ዘለዎም ኢዮም።

እቲ ቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም ሰባት 177 ካብ ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ካብ ክልለ ትግራይ፣ 20 ሰባት ካብ ክል ኣምሓራ፣ 18 ሰባት ካብ ክልል ጋምቤላ፣ 8 ሰባት ካብ ክልል ኦሮሚያ፣ 8 ሰብ ካብ ኦሮሚያ፣ 4 ካብ ክልል ሶማሌ፣ 1 ሰባት ካብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ከምኡ እውን ሓደ ሰብ ካብ ከተማ ምምሕዳር ድሬዳዋ ከምዝኾኑ እተን ሚኒስትር ኣፍሊጠን።

ብመሰረት እዚ ክሳብ ሐዚ ብዝተገበረ ምርመራ ቁፅሪ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት 5 ሺሕን 425 ከምዝበፅሐ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ብኻሊእ መዳይ ሸሞንተ ሰባት ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ሸውዓተ ሰባት ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓደ ሰብ ካብ ድሬዳዋ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሮም ናብ 89 ክብ ክብል ክኢሉ ኣሎ።

ሚኒስቴር ጥዕናን ኢኒስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያን ብምኽንያት ሕልፈት ህይወት እቶም ዜጋታት ዝተሰመዖም ሓዘን ብምግላፅ ንመላእ ቤተሰብ ምፅንዕናዕ ተመኒዮም።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 144 (123 ካብ ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ካብ ክልል ትግራይ፣ 7 ካብ ክልል ኣምሓራ፣ 5 ካብ ክልል ሶማሌ ከምኡ እውን 2 ሰባት ካብ ክልል ኦሮሚያ) ካፍቲ ሕማም ዝደሓኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ሕማም ተለኺፎም ዝደሓኑ ሰባት ቁፅሮም 1 ሺሕን 688 በፂሑ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.