Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክሌማዊ ለውጢ ዓለም ዝዝቲ ጉባኤ ኮፕ28 ኣብ ዱባይ ምክያድ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክሌማዊ ለውጢ ዓለም ዝዝቲ ጉባኤ ኮፕ28 ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዱባይ ምክያድ ጀሚሩ።

ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዝተፈላለዩ ቀንዲ ቀንዲ ዛዕባታት ትኹረት ከምዝገብርን ውሳነታት ከምዘሕልፍን ትፅቢት ይግበር፡፡

ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ኣብቲ ጉባኤ÷ ሙቐት ዓለም ትሕቲ 1 ነጥቢ 5 ዲግሪ ሴሊሺየስ ክኸውን ህፁፅ ስጉምቲ ከምዘድሊ ገሊፆም።

መራሕቲ ምውሳኽ ሙቐት ዓለም ንምቁፅፃር ኣብ ቀፃሊ ካብ ቅሪት ኣካል ነዳዲ ወፃእ ዝኾነ ትልሚ ንኸውፅኡ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

መራሕቲ ዓለም ኣብ ዱባይ÷ ኣብ ምውሳኽ መጠን ሙቐትን ዘለዉ ክልተ ዓበይቲ ኲናታት ብምቅዋም መደረ ኣስሚዖም።

ፖሊሲ ሓለዋ ከባቢ ቀንዲ እምነ ኹርናዕ ምምሕዳሮም ከምዝገብሩ ቃል ብምእታው ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ስልጣን ዝተረከቡ ፕሬዚዳንት ብራዚል ሉዊዝ ኢናሲዮ ሉላ ዳ ሲልቫ÷ ክሌማዊ ለውጢ ንወዲ ሰብ ክሳብ ሕዚ ካብ ዘጋጠሞ ዝዓበየ ፈተና ከመዝኾነ ገሊፆም።

ይኹን እምበር ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ እቶም ማሕለኻታት ብቕልጡፍ ንምፍታሕ ኣብ ክንዲ ምስራሕ “ኣፈላላያት ናብ ዘዕብዩን ድሕንነትን ዘይምምጥጣንን ናብ ዘበኣእሱ ኲናታት እናኣተወ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ብግደኦም ኣብ ዓለም ልዑል በዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ሃገሮም ካብ ቅሪተ ኣካል ነዳዲ ንምርሓቕን ልምዓት ዝሕደስ ሓይሊ ንምቅልጣፍን ልዑል ፃዕሪ ከምዝገብሩ ቃል ኣቲዮም።

ፕሬዚዳንት ታንዛኒያ ሳሚያ ሱሉሁ ሃሰን÷ ሃገራት ንክሌማዊ ለውጢ ዝኣተወኦ ቃል ንኸኽብራ ሓቲተን።

እተን ፕሬዚዳንት ብፍላይ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ብምኽንያት ክሌማዊ ለውጢ ብልዑል ብርኪ እናተጠቕዓ ከምዝርከባ ብምሕባር፥ ሃገራት ዝኣተወኦ ቃል ክሕልዋ ከምዝግባእ ምግንዛበን ኒውዮርክ ታይምስ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.