Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከባ ጋንታታት እናተፃወቱ ዝነበሩ ተፃወትቲ ዝተፈቐደ ፍሉይ እዋን ዝውውር ተናዊሑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፎዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከባ ጋንታታት እናተፃወቱ ዝነበሩ ተፃወትቲ ዝተፈቐደ ፍሉይ እዋን ዝውውር ክሳብ 23 ጥሪ 2013 ዓ.ም ኣናዊሑ።

እቲ ዝውውር ኣብቲ ክልል ብምኽንያት ዝነበረ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ኣብ ውሽጢ ኣፀጋሚ ኩነታት ከምዝነበሩ ምዃኖም ኣብ ግምት ብምእታው ካብ 26 ክሳብ 30 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም ንሓሙሽተ መዓልቲ ተፈቒዱ ነይሩ።

እቲ መናውሒ እዋን ዝተውሃበሉ መዓልቲ 29 ታሕሳስ በዓል ልደት ስለዝኾነ ከምዝኾነ እውን ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.