Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ ዝሳለጥ ሰብኣዊ ዝርገሐ ሰብኣዊ ሓገዝ ተጠናኺሩ ቀፂሉ – ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ዝሳለጥ ሰብኣዊ ዝርገሐ ሰብኣዊ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ብሄራዊ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ÷ ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ልዕሊ 78 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ምግቢን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ናውቲን ብመንግስቲን መንግስታዊ ዘይኮኑ መሓዙት ኣካላትን ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ ዜጋታት ከምዝተኸፋፈሉ ተሓቢሩ፡፡

ክሳብ 23 ሕዳር 2015 ዓ.ም ድማ 72 ሺሕን 160 ሜትሪክ ቶን ምግቢን ሃነፅቲ ምግቢን ኣብቲ ክልል ከምዝተኸፋፈለ እቲ ኮሚሽን ብፍሉይ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣፍሊጡ፡፡

ካብ ሞንጎ እዚ 13 ሺሕን 686 ነጥቢ 8 ሜትሪክ ቶን ምግቢ፣ 1ሺሕን13 ነጥቢ 76 ሜትሪክ ቶን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ኣቕሑትን 575 ሺሕን 908 ሊትሮ ነዳዲን ብመንግስቲ ከምዝተጓዓዓዘ ተሓቢሩ፡፡

መንግስቲ ብፍላይ ድማ መሓዙት ኣካላት ክበፅሑዎም ኣብ ዘይኽሉ ከባቢታት ኣድላዪ ሰብኣዊ ሓገዝ እናከፋፈለ ከምዝኾነ ተፀሪሑ፡፡

ክሳብ ዝተፀርሐ ዕለት ድማ ብመንግስቲን መሓዙት ኣካላትን 78 ሺሕን 742 ሜትሪክ ቶን ምግቢን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ናውቲ ሓገዝን ከምዝተኸፋፈለ ተገሊፁ፡፡

ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምክፍፋል ካብ መንግስቲ ወፃእ 23 መሓዙት ኣካላት ከምዝተሳተፉ እቲ ኮሚሽን ገሊፁ፡፡

እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ÷ብኮሪደራት ዓፋር-ኣብዓላ፣ ጎንደር-ማይ ፀብሪ- ሽረን ኮምቦልቻ-ቆቦ-ኣላማጣን እናተጓዓዓዘ ከምዝኾነ ተሓሩ፡፡

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.