Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ግራይ ዝተኣወጀ በይናዊ ምቁራፅ ተኹሲ ኢትዮጵያ ንዘንፀላለዋ ናይ ስግኣት ክትዳሎ ስለዝግባኣ ዝተወሰነ ኢዩ – ሌ/ጀ ባጫ ደበሌ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኣብ ክልል ግራይ ዝተኣወጀ በይናዊ ምቁራፅ ተኹሲ ኢትዮጵያ ንዘንፀላለዋ ናይ ስግኣት ክትዳሎ ስለዝግባኣ ዝተወሰነ ከምዝኾነ ዋና መተሓባበሪ ህንፀት ሰራዊ ምክልኻል ፌዴሪኢ ሌተናል ጀነራል ባጫ ደበሌ ገሊፆም።

ሌተናል ጀኔራል ባጫ ደበሌን ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴንን፥ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዝተኣወጀ በይናዊ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

ኣብ ትግራይ ጁንታ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ስሩዕ ውግእ ክገብር ዝኸኣለ ንሰለስተ ሰሙን ጥራሕ  ከምዝኾ ኣብቲ እዋን ገሊፆም፡፡

ብለዋል ጉጅለ ህወሓት ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ንህዝቡ ብዘርኢ ብምጉስጓስ ምስቲ ሰራዊት ንኽጋጮ እናሰርሐ ከምዝፀንሐ ኣብሪሆም።

ህወሓት ንህዝቢ ናብ ኲናት ካብ ምእታው ሓሊፉ ስግኣት ሃገር ክኸውን ኣብ ዘይኽእለሉ ደረጃ ከምዝበፅሐ እውን እቶም ሌተናል ጀነራል ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ቀንዲ ስግኣት ኢትዮጵያ ኢድ ኣእታውነት ወፃኢ ስለዝኾነ፥ ነዚ ምድላው ኣድላዪን ግድንን ስለዝኾነ እቲ ጦር ለቒ ንኽወፅእ ከምዝተወሰነ ኣብሪሆም።

ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ብግደኦም፥ መንግስቲ ኣብ ክልል ግራይ ዝተኣወጀ በይናዊ ምቁራፅ ተኹሲ ሰብኣውነት ዝተላበሰ ፖለቲካዊ ውሳነ ከምዝኾነ ገሊፆም።

“ሓረስቶት ትግራይ እዋን ክረምቲ እንተይሓለፈ ናብ ማሕረስ ንኸኣትዉ ተሓሲቡ ዝተውሃበ ውሳነ ኢዩ” ኢሎም።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኢትዮጵያ ምስ ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ተተሓሒዙ ሓለም ለኸ ምግላልን ምንግልታዕን እናጋጠመ ስለዝኾነ ገሊፆም።

እቲ እናጋጠመ ዝርከብ ዲፕሎማሲያዊ ፅዕንቶን በቢእዋኑ ዝግበሩ ውልዊን ሓበራዊን ልምምዳት ናበይ ከምዘምርሑ ስለዘይፍለጥ ሃገራዊ ዓቕሚ ኣተኣኻኺብካ ምድላው ስለዘድለየ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቦም።

ብኣላዛር ታደለ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.