Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዓለም ለኸ ሕጋዊነት ሰነድ ስምዕነት ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዘድሀበ ዘተ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኢንስቲትዩት ፍትሒን ሕጊን ፌደራል ዝተሰናደአ ኣብ ዓለም ለኸ ሕጋዊነት ሰነድ ስምዕነትን ትሕዝቶን ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዘድሀበ መድረኽ ዘተ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ÷ ምክትል ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኣበባ እምቢኣለ፣ ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ኣምባሳደር ደግፌ ቡላ፣ ሓለፍቲ ስራሕ ትካላት ፍትሒን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም፡፡

ኣምባሳደር ደግፌ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ እቲ ትካል ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ረብሓ ሃገር ኣብ ዘኽብሩ ጉዳያት መፅናዕቲ ከምዝገብርን መጨበጢ ግንዛበ ከምዝህብን ገሊፆም።

“ዕላማ እቲ መድረኽ፤ እቲ ስምምዕነ ዘለዎ ዓለም ለኻዊ ሕጋዊነትን ትርጉምን ምግንዛብ ኢዩ” ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እቲ ሰነድ ስምምዕነት ኣብ ዓለም ለኻ ሕጋዊነትን ትርጉምን ዘድሀበ ዘተ÷  መበገሲ ፅሑፍ ቀሪቡ ልዝብ እናተገበረሉ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.