Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝተመሓሸ ፖሊሲ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ዝጠመተ መድረኽ መፍጠሪ ግንዛበ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተመሓሸ ፖሊሲ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ዝጠመተ መድረኽ መፍጠሪ ግንዛበ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መዳርግቲ ኣካላትን ተረኺቦም፡፡

ዝተመሓሸ ፖሊሲ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ኣብ ዘምፀኦም ሃገራዊ ረብሓታት ትኹረት ዝገበረ መድረኽ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ኣይተ መላኩ ኣለበል÷ እቲ ፖሊሲ ብውልቀ ዘፈር ዝምራሕ፣ ግደ መንግስቲ ብግልፂ ዝፈለየን ንተካእቲ ፍርያታት ወፃኢ ዝተመጣጠነ ትኹረት ዝሃበን ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብ ዝተጠናኸረ ፍርያት ልምዓት እታወት ዝድገፍ፣ ንኣመራርሓ ስራሕ ፅሬት ፍርያት ትኹረት ዝሃበ ፖሊሲ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቦም።

ንልምዓት ቴክኖሎጂ፣ እኹል ቀረብ ፋይናንስ ንኽህሉን ንዘፈር ኣፍረይቲ ብቑዕ ሓይሊ ሰብ ምፍጣር ዘኽእል ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብኣሸናፊ ሽብሩን ኤፍሬም ምትኩን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.