Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝተፈላለያ ክፍለ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ ህዝባዊ ልዝብ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለያ ክፍለ ከተማታት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ህዝባዊ ልዝብ ይካየድ ኣሎ።

እቲ መድረኽ ዘተ “ህብረ ብሄራዊ ሕውነት ንዘላቒ ሰላምን ኩለመዳይ ምዕባለ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ፡፡

ኣብ ክፍለ ከተማ ቂርቆስ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ÷ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል፣ ም/ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣብዱ ሑሴን (ዶ/ር)ን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕን ተረኺቦም፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብ ክ/ከተማ የካ ዝተኻደ መድረኽ÷ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ፣ ም/ርእሰ ምምሕዳር ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ እንደሻው ጣሰው፣ ምክትል ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጃንጥራር ኣባይን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕን ተረኺቦም፡፡

ኣብ ክፍለ ከተማ ጉለሌ እውን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ደስታ ሌዳሞን ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር ) ኣብ ዝተረኸቡሉ ህዝባዊ ዘተ እናተኻየደ ይርከብ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ክ/ከተማ ልደታ እናተኻየደ ኣብ ዘሎ ህዝባዊ ዘተ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ኡሞድ ኡጁሉን ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ሰማ ጥሩነህ (ዶ/ር)ን ተረኺቦም፡፡

ኣብ ክፍለ ከተማታት ኣቃቂ ቃሊቲን ቦሌን እውን ርእሳነ ምምሕዳር ክልላትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ኣብ ዝተረኸቡሉ መድረኽ ህዝባዊ ዘተ እናተኻየደ ይርከብ፡፡

እቲ ህዝባዊ ዘተ መሰረታዊ ሕቶታ ማሕበረሰብ ብምፍታሕ ሃገራዊ ዓወታት ክቕፅሉ ንምግባር ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ብምንተስኖት ሙሉጌታ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.