Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዱባይ ኤክስፖ 2020 ኢትዮጵያ ብዝማዕበሉ ቅርስታትን ካልኦትን ዕድላት ብምትኳር ከምእትሰርሕ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዱባይ ኤክስፖ 2020 ኢትዮጵያ ብዝማዕበሉ ቅርስታትን ካልኦትን ዕድላት ብምትኳር ከምእትሰርሕ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣረጋ ምስ ኤሜሬትስ ኒውስ ኤጀንሲ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፥ ኣብ ዱባይ ኤክስፖ 2020 ኢትዮጵያ ብዝማዕበሉ ቅርስታትን ካልኦትን ዕድላት ብምትኳር ክትሰረሕ ዕድል ዝፈጥር ኢዩ ኢሎም።

ናይ ኢትዮጵያ ናይ ተፈጥሮ ሃፍቲታት፣ ኢንዱስትሪ ፣ ዲጂታል ኢኮኖሚን ብዙሃነት ባህሊን ከምዘርእዩ ገሊፆም።

ኣብቲ ኤክስፖ ናይ ሉሲ ቅሪተ ኣካል ምስለ ቅርፂ ን182 መዓልታት ንምርኢት ከምዝቐርብ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.