Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ጋና መፈልፈሊ ሓይሊ ኒውክሌር ንምህናፅ ዝተፈላለዩ ኩባኒያታት ይነሓንሑ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጋና መፈልፈሊ ሓይሊ ኒውክሌር ንምህናፅ ዝተፈላለዩ ኩባኒያታት ይነሓንሑ ኣለዉ።

ጋና ቀዳማይ መፈልፈሊ ሓይሊ ኒውክሌር ንምህናፅ ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ ሓደ ኩባኒያ ከምእትመርፅ ሚኒስቴር ኢነርጂ እታ ሃገር ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ፥ ኢዲኤፍ ፈረንሳይ፣ መሰረቱ ኣብ ኣሜሪካ ዝኾነ ኑስካል ፓወርን ሬግናም ቴክኖሎጂ ግሩፕን፣ ናሽናል ኒውክሌር ኮርፖሬሽን ቻይና ሓዊሱ ዝተፈላለያ ኩባኒያታት ነቲ ህንፀት ንምክያድ ይነሓናሓ ኣለዋ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ ሚኒስቴር ሮበርት ሶግባጂ፥ ኬፕኮ ደቡብ ኮሪያን ኣብ ትሕቲኡ ዝርከብ ኮርፖሬሽን ሓይሊ ሃይድሮ ኒውክሌር ከምኡውን ሮሳቶም ሩሲያን ንዝቕፅሉ 10 ዓመታት ዝፀንሕ ውዕሊ ንምኽታም ክነሓንሑ ኢዮም ምባሎም ሬውተርስ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.