Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ግምባር ጋሸና ጥምር ሓይሊ ወገን ኣርቢት፣ ጋሸናን ካልኦትን ከባቢታት ናፃ ኣውፂኡ

ሰበር ዜና

ኣዲስ፣ ኣበባ 22 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ግምባር ጋሸና ጥምር ሓይሊ ወገን ኣርቢት፣ ጋሸናን ካልኦትን ከባቢታት ናፃ ኣውፂኡ።

ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ዶክተር ለገሰ ቱሉ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ጅግና ሰራዊት ምክልኻል፣ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ፣ ሚሊሻን ፋኖን ብዝገበሩዎ ተጋድሎ ኣብ ግምባር ጋሸና፤ ከተማታት ኣርቢት፣ ኣቀትን ጋሸናን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒለን፡፡

ኣብቲ ግምባር ፀላኢ ንብዙሕ ኣዋር ዝዘረፎ ሃፍቲ ብምጥቃምን ንማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ብምግዳድ ዝሃነፆ ኮንክሪት ድፋዕ ብዝተዋደደ ጥበብ ኣመራርሓን ቴክኖሎጂን ተሓጊዙ ብትሑት መስዋእቲ ክስበር ክኢሉ ኢሎም፡፡

ናይ ወገን ጦር ንጋሸና ምቁፅፃሩ፥ ፀላኢ ብወልዲያን ኮምቦልቻንዝወረሮም ከባቢታት ኣብ ሓፂር እዋን ንምምላስ ዘኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብግምባር ወረ ኢሉ ድማ፥ ከተማታት ጃማ፣ ደጎሎ፣ ወረ ኢሉ፣ ኣቅስታን ገነቴን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒለን።

ካብዚ ብተወሳኺ መዘዞ፣ ሞላሌ፣ ሸዋሮቢትን ራሳን ናፃ ወፂን።

ኣብ ግምባር ምብራቕ ብዙሓት ከባቢታት ካብ ፀላኢ ናፃ ብምውፃ መሊስካ ናይ ምውዳብ ከምዝተጀመረ ተሓቢሩ።

ሓይሊ ፀላኢ ኣብ በቢግምባሩ ዘሪፉን ኣዕኒዩን ከየሃድም፥ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ተወዲቡ ከባቢኡ ብምሕላው ንብረቱ ንኸትርፍ፤ ፀላኢ ንኽማረኽ ወይ እውን ኢዱ ንኽህብ ብምግባር እምቢ እንተይሉ ድማ ኣድላዪ ስጉምቲ ብምውሳድ ሃገራዊ ግቡኡ ንኽፃእ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ከባኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.