Fana: At a Speed of Life!

ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ሓድሽ ታሪኽ ብምምዝጋብ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ጉዳፍ ጸጋይ ትማሊ ረቡዕ ፖላንድ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ገዛ ውሽጢ ውድድር ‘ወርልድ ኢንዶር ማይል’ ካልኣይ ዝቐልጠፈ ሰዓት ብምምዝጋብ ተዓዊታ።

ኣብ ቶሩን ፖላንድ ንዝተኻየደ ውድድር ብ4 ደቒቕ 16 ካልኢትን 16 ንኡስ ካልኢትን ዝዛዘመቶ ኮይና ብደረጃ ዓለም ካልኣይ ዝቐልጠፈ ናይ ውሽጢ ገዛ ማይልስ ሰዓት ኣመዝጊባ።

እታ ኣብ 2021 ኣብ ሊቪን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር “ወርልድ ኢንዶር” ን1500 ሜትሮ ብ3፡53.09 ዛዚማ ክብረወሰን ዓለም ዘመዝገበት ጓል 26 ዓመት ኣትሌት ናብቲ ናይ ትማሊ ውድድር ክትኣትው ከላ ነቲ ብገንዘቤ ዲባባ ተታሒዙ ዝነበረ ሰዓት ከተመሓይሽ ውጥን ነይርዋ።

ኣብቲ ብ2016 ዝተኻየደን ገንዘቤ 4:13.31 ክብረወሰን ዘመዝገበትሉ ውድድር ጓል 18 ዓመት ኮይና ዝተሳተፈት ጉዳፍ ፀጋይ ካልኣይቲ ወፂኣ ነይራ።

ሽዑ ነቲ ውድድር ብ4፡24.98 ከምዝዛዘመቶ ይዝከር።

ብተመሳሳሊ ኣብ ፖላንድ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ደቂ ኣኒስቲዮ 3 ሺሕ ሜትሮ ውሽጢ ገዛ ኮፐርኒከስ ዋንጫ ኣትሌቲክስ ዓለም፥ ፍረወይኒ ሃይሉ 8 ደቖቓን 46 ካልኢትን 92 ማይክሮ ካልኢትን ብምእታው ቀዳመይቲ ኮይና።

ኣብቲ ውድድር፥ እጅጋየሁ ታዬ ካልአይቲ፣ ለምለም ሃይሉ ሳልሰይቲ ከምኡውን ወርቅውሃ ጌታቸው ድማ ራብዐይቲ ብምዃን ተዓዊተን።

ኣብ ፈረንሳ ደ ሞንዴቪል ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ደቂ ኣኒስቲዮ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ውሽጢ ገዛ ድማ፥ ኣያል ዳኛቸው፣ ትዕግስት ከተማ፣ ሲንቦ ኣለማየሁን ትዕግስት ግርማን ብተኸታታሊ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ራብዓይ ደረጃ ብምሓዝ ውድደረን ዛዚመን።

ብ3 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕቲዮ፥  ዓሊ ዓብዱልመና 7 ደቒቓ 50 ካልእትን 48 ማይክሮ ካልእትን ብምእታው አንትዕወት፥

ኣብዲሳ ፈይሳ ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ ምዝዛሙ ካብ ወርልድ ኣትሌቲክስ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.