Fana: At a Speed of Life!

ኣኼባ ፈፃሚ ስራሕ ውድብ ብልፅግና ዝሓሸት ኢትዮጵያ ንምህናፅ ዘኽእል ምርድዳእ ዝተፈጠረሉ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2015(ኤፍ ቢ ሲ)ኣኼባ ፈፃሚ ስራሕ ውድብ ብልፅግና ዝሓሸት ኢትዮጵያ ንምህናፅ ዘኽእል ምርድዳእ ዝተፈጠረሉ ከምዝኾነ ኣባላት እቲ ፈፃሚ ስራሕ ገሊፆም።

ኣይተ ፈቃዱ ተሰማ፥ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ዝፍጠሩ ኣዕናዊ ኣጀንዳታት ንኢትዮጵያ ይፍትሉ ምህላዎም ብዕምቆት ተገምጊሙ ኢዩ ኢሎም።

ብፍላይ ነፃነት ብኣግባቡ ምምሕዳር ብዘይምኽኣል ዝተፈላለዩ ኣካላት ማሕበራዊ ሚዲያ ብምጥቃም ንዘባናት ዝተሃነፀ ሓድነት ኢትዮጵያዊያን ንምፍራስ ይሰርሑ ከምዘለዉ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ሓድነትና ብምጥንኻር ነቲ ፀገም ንምእራም ጠሚትካ ምስራሕ ከምዝግባእ ምርድዳእ ተገይሩ ኢሎም።

ኣባል እቲ ኮሚቴ ኣይተ ግርማ የሺጥላ ብግደኦም፥ ከይዲ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ገና ስለዘይተዛዘመ ብፍላይ ብታሪኽን ተረኽን ህዝቢ ንምፍልላይ ዝሰርሑ ሓይሊታት ምህላዎም ተዛሪቦም።

እቶም ሓይሊታት ህልውና እዛ ሃገር ምስዘይምነዮ ግዳማዊ ሓይሊታት ብምትሕበባር ዝሰርሑ ኢዮም ኢሎም።

ስለዝኾነ ኣብ ቀፃሊ ህዝቢ ብምስታፍ በቢብርኩ ዘለዉ እዋናዊን ሃገራዊን ፀገማት ንምፍታሕ ክስራሕ ኢዩ ኢሎም።

ኣይተ ፀጋዬ ማሞ፥ ፅንፈኝነት ፈተና እዚ እዋን ምዃኑ ሓቢሮም።

ነዚ ብምቅላስ ዝተጀመሩ መገዲታት ልምዓት ምቕፃል ከምዝግባእ መርድዳእ ከምዝተፈጠረ ገሊፆም።

ኣባል እቲ ኮሚቴፈፃሚ ስራሕ ኣይተ ዘላለም ከበደ፥ ካብ ዝተፈላለዩ ኣንፈታት ዝውዝዑ ኣጀንዳታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፅዕንቶ ክፈጥሩ ምፍቃድ ኣይግባእን ኢሎም።

ነዚ ድማ በቢብርኩ ዘለዉ ኣባላትን ኣመራርሓ እቲ ወድብ ሓድነት ህዝቢ ብምጥንኻር በቢከባቢኡ ዘለዉ ፀጋታት ንረብሓ ህዝቢ ምውዓል ከምዝግባእ ኣንፈታት ምቕማጡ ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.