Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ማሃመት ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ማሃመት ኣብ ኒጀር ኒያሚ ተራኺቦም ተዛቲዮም።
ብኣይተ ደመቀ መኮንን ዝምራሕ ልኡኽ ኢትዮጵያ÷ ኣብ ኒጀር እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ፍሉይ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪካ እናተሳተፈ ይርከብ።
ኣይተ ደመቀ መኮንን ጎድና ጎድኒ እቲ ኣኼባ ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን እቲ ሕብረት ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ÷ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ፕሪቶሪያ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተፈረመ ስምምዕነት ሰላም ግደ ሕብረት ኣፍሪካ ወሳኒ ከምዝነበረ ገሊፆም።
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዝነበረ ጎንፂን ደሓር ድማ ኣብ ፕሪቶሪያን ናይሮቢን ብዝተገበሩ ስምምዓት ሕብረት ኣፍሪካ ንዘርአዮ ኣብ መምርሒ ዝተደረኸ ቅዋም ምስጋና ኣቕሪቦም።
መንግስቲ ንተግባራዊነት እቲ ስምምዕነት ሰላም ቁርፀኛ ከምዝኾነ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ማሃመት በግደኦም÷ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኢኒሼቲቭ ሰላም ሕብረት ኣፍሪካ ዘርአዮ ፅኑዕ እምነት ንኢዶም።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.