Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ዳይሬክተር ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳን ኣባላት ካቢኔኦምን ብዳይሬክተር ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ ስኮት ሆክላንደር ኣብ ኢትዮጵያ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኸ ኣብ ቤት ዕዮኦም ብምቕባል ዘቲዮም።

ኣይተ ጌታቸው፥  ትግበራ ውዕል ፕሪቶሪያን ብሰንኪ ምቁራፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ቅልውላው ህዝቢ ትግራይ ካብ እዋን ናብ እዋን ይጋገድ ምህላውን ዝጠመተ መብርሂ ሂቦም።

ዝወሃብ ሰብኣዊ ሓገዝ ብግቡእ ናብ ተጠቐምቲ ክበፅሕ መንግስቶም ብዕቱብ ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፆም።

እቶም ዳይሬክተር ብግደኦም፥ ተቛሪፁ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ዳግም ንምጅማር ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።

እቲ ዝቐርብ ሰብኣዊ ሓገዝ ብግቡእ ናብ ተረባሕቲ ክበፅሕ ደገፍ መንግስቲ ከምዘድሊ እውን ምግላፆም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ቤት ፅሕፈት ግዚያዊ ርእሰ ምምሕዳር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.