Fana: At a Speed of Life!

እናተሃነፀ ዝርከብ ዓቕሚ ሓይሊ ባሕሪ ንፅባሕ ወለዶ መሰረት ዘንብር ኢዩ – ሬር ኣድሚራል ክንዱ ገዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ሬር ኣድሚራል ክንዱ ገዙ ኣብ ቀፅሪ ኢንጅነሪግ መከላኸሊ ቢሾፍቱን ኮሌጅ መከላኸሊ ኢንጂነሪንግ ባቦጋያን ሙያዊ ስልጠና ንምሃብ ንዝተሰናድኡ ሰብ ሞያ መሰረታዊ ሓይሊ ባሕሪ መምርሒ ሂቦም።

እቶም ዋና ኣዛዚ÷ “ኣብ ሓይሊ ባሕሪ፤ መሰረታዊ ዓቕሚ ባሕረኛታት ብፍልጠት ንምህናፅ ዘኽእሉ ስልጠናታት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ኢዮም” ኢሎም።

ሬር ኣድሚራል ክንዱ ገዙ÷ ባሕረኛታት ዝወሃቦም ሞያዊ ስልጠና ትኹረት ሂቦም ክመሃሩ ከምዝግባእ ብምሕባር፤  እናተውሃበ ዝርከብ ስልጠና ጉጅለኣዊን ተናፀላዊን ልኡኽቶ ብዓወት ንምውፃእ ዘኽእል ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ዓቕሚ ሓይሊ ባሕሪ ብምህናፅ ንፅባሕ ወለዶ መሰረት ናይ ምንባር ስራሕ ክስራሕ ኢዩ ዝበሉ ሬር ኣድሚራል ክንዱ÷ ኣብዚ ሕዘዚ እዋን መሰረተ ልምዓት መሰልጠኒ ቤት ትምህርቲ ሓይሊ ባሕሪ ንምምላእ ስራሕቲ ህንፀት ብፍላይ ህንፀት ቤት ቲምህርቲ መሰልጠኒ መሰረታዊ ከምዝተጀመረ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.