Fana: At a Speed of Life!

ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብቲ ክልል ዘጋጠመ ከቢድ ድርቂ ንምክልኻል 50 ሚልየን ብር መዲቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ዞባታት ምብራቕ፣ ደቡብ ምብራቕን ደቡብን ዘጋጠመ ከቢድ ድርቂ ንምክልኻል 50 ሚልየን ብር መዲቡ።

እቲ ካቢኔ ግዚያዊ ምምሕዳር ኣብ ዝገበሮ ዘተ÷ ኣብ ክልል ትግራይ ብፍላይ ኣብ ዞባታት ምብራቕ፣ ደቡብ ምብራቕን ደቡብን ብዘጋጠመ ከቢድ ድርቂ ምኽንያት ሰባት ይሞቱ ምህላዎም ተመልኪቱ።

ነዚ ሓደጋ ንምክልኻል 50 ሚልየን ብር ዝመደበ እንትኸውን÷ ኣብዚ ሕዚ እዋን ከም ክልል ትግራይ መጠባበቒ ገንዘብ ስለዘይለ እቲ ዝተመደበ ገንዘብ ካልኦት መደባት በምዕፃፍ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ነቲ ኩነታት ዘፅንዑ ክኢላታት ናብተን ሓያል ድርቂ ዘጋጠመን ከባቢታት ልኢኹ ከምዝነበረ ዝሓበረ ካቢኔ ግዚያዊ ምምሕዳር÷ ማሕበረሰብ ዓለም ሰብኣዊ ሓገዝ ብእዋኑ ከቕርብ ብዘይምኽኣሉ ህዝቢ ትግራይ ንከምዚ ዝበለ ሓያል ኩነታት ከምዝተቓልዐ ገሊፁ።

ማሕበረሰብ ዓለምን መንግሰቲ ኢትዮጵያን ብምኽንያት ድርቂ ኣብ ሓደጋ ንዘሎ ህዝቢ ንምድሓን ሓገዝ ንኽገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ካልኦት ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዝርከቡ ወገናት ፀገም ህዝቢ ንምቅላል ዝከኣሎም ንክገብሩ ፃውዒት ምቕራቡ ካብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ክልል ትግራይ ዝረኸበናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.