Fana: At a Speed of Life!

ካብ  ሰደድ ንግዲወፃኢ 772 ነጥቢ 25 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ሰደድ ንግዲ ወፃኢ 772 ነጥቢ 25 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ሚኒስቴር ንግዲን ቀጣናዊ ምትእስሳርን ገሊፁ።

ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ሚኒስቴር ካሳሁን ጎፌ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ ሚኒስቴር ዝከታተሎም ንግዲ ሰደድ ወፃኢ ናይ 10 ኣዋርሕ ገምጋም ኣፈፃፅማ መደባት ከምዝተኻየደ ሓቢሮም።

ብመሰረት እዚ ኣብቶም ኣዋርሕ ካብ ሰደድ ንግዲ ወፃኢ 772 ነጥቢ 25 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ገሊፆም።

ኣብ ዝተረፉ ክልተ ኣዋርሕ ውፅኢታዊ ስራሕ ንምስራሕ ዘኽእል ምርብራብ ከምዝግበር ድማ ተዛሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.