Fana: At a Speed of Life!

ክልተ ሴናተራት ኣሜሪካ ሃገሮም ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ዘይሻራዊ ቅዋም ንኽትሕዝ ብደብዳበ ሓቲቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ክልተ ሴናተራት ኣሜሪካ ሃገሮም ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ዘይሻራዊ ቅዋም ንኽትሕዝ ብደብዳበ ሓቲቶም።

ሴናተር ኮሪ ቡከርን ሴናተር ክርስቶፎር ኩንስን ንሓላፊ ግምጃ ቤት ኣሜሪካ ስቴቨን መኑሸን ኣብ ዝፃፉዎ ደብዳበ፥ ኣሜሪካ ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ዝግበር ዘሎ ድርድር ሒዛቶ ዘላ ቅዋም ከምዘተሓሳስቦም ብምሕባር ኣብቲ ድርድር ንባዕላ ዘይሻራዊ ክትገብር ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

እቲቶም ሴናተራት ቅድሚ ሕዚ ብኣሜሪካ ተሓንፂፁ ንክታም ቀሪቡ ዝነበረ ሰነድ ስምምዕነት፥ ኢትዮጵያ ንግብፂ ዝወገነ ሰነድ ኢዩ ብምባል ከምዘይፈረመት ኣዘኻኺሮም።

ያንንም ተከትሎ ኢትዮጵያ በግድቡ ላይ ሲደርግ የነበረው ድርድር በስምምነት ተቋጨ አልተቋጨ ግድቡን የውሃ ሙሌት በያዘችው የጊዜ ሰሌዳ መሰረት እንደምትሞላ መግለጿን ተከትሎ በአካባቢው ውጥረት መፈጠሩን ነው ያመለከቱት።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ግድብ ኣድሂቡ እናተኻየደ ዝነበረ ድርድር ብስምምዕነት ይዛዘም ኣይዛዘም ምልኢት ማይ እቲ ግድብ ኣብ ዝተትሓዘሉ መደብ ከምትመልእ ምግላፃ ስዒቡ ኣብቲ ከባቢ ወጥሪ ከምዝተፈጠረ ገሊፆም።

የግድቡ ግንባታ እየተጠናቀቀ እና የሁለቱ ሀገራት ተቃርኖ አየሰፋ በመጣበት በዚህ ወቅት ታዲያ ዩናይትድ ስቴትስ ሁኔታውን ልታበርድ ይገባል ብለዋል።

ይኹን እምበር ኣሜሪካ ኣብቲ ጉዳይ ዘይሻራዊ ብዘይምዃና፥ እቲ ዝተፈጠረ ወጥሪ ናይ ምዝሓል ግደኣ ከይትዋፃእ ከምዝገበራ እቶም ሴናተራት ኣብሪሆም።

እቲ ዛዕባ ናብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ምኻዱ፥ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካን ብምቅዋመን ውድብ ሕበቡራት መንግስታት እቲ ጉዳይ ንምርኣይ ተመራፂ ዘይምዃኑ እውን ገሊፆም።

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ንኢትዮጵያ ብክልተኣዊ ይኹን ሰለስተኣዊ መገዲ ዝግበሩ ሓገዛት ንምእጋድ ምንቅስቓስ፥ ካብቲ ከባቢ ዝርከብ ብሄራዊ ረብሓን ድሌትን ኣሜሪካ ብተፃራሪ ጠጠው ምባል ከምዝኾነ ኣጠንቂቖም።

ንዕዉትነት ርክብን ተረባሕነትን ኢትዮጵያን ኣሜሪካን፣ ኣብ ኢትየጵያን ሱዳንን እናተኻየደ ዝርከብ ስግግር ንምዕዋት፣ ዋሸንግተን ሰላምን ምርግጋዕንተ እቲ ከባቢ ንምርግጋፅ ንነዊሕ እዋን ዘፍሰሰቶ መዋእለ ንዋይን ኣብቲ ከባቢ ዘለዋ ዲፕሎማያዊ ርክብን ንሰላም እቲ ካብቢ ይኹን ንረብሓ ኣሜሪካ ዘይሻራዊ ቅዋም ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኣሜሪካ ብሰለስቲአን ሃገራት ተቐባልነት ዘለዋ ኮይና ንኽትቅፅል፥ ብዘይ ኣድልዎ ሓገዝ ክትገብር ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.