Fana: At a Speed of Life!

ወተሃደራዊ ምትሕብባር ኢትዮጵያን ስዑዲ ዓረብን ክብ ንምባል ዝዓለመ ዘተ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ወተሃደራዊ ምትሕብባር ኢትዮጵያን ስዑዲ ዓረብን ክብ ንምባል ዝዓለመ ዘተ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተሳሊጡ።

ብሓላፊ ዋና መምርሒ መረዳእታ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ጄኔራል ጌታቸው ጉዲና ዝተመርሐ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ልኡኽ ብሓላፊ ዋና ኤጀንሲ መረዳእታ ሓይሊታት ሰራዊት ስዑዲ ዓረብ ሜጄር ጄኔራል ሁሳም ቢን ዓብደላ ኣል ዳመሪ ብመሰረት ዝተገበረሉ አንግዶት ኣብቲ ዓዲ ዑደት ይገብር ኣሎ።

ምስቲ ዑደት ጎኒ ንጎኒ ኣብ ዝተሳለጠ ዘተ፥ ምስ ሓይሊታት ምክልኻል እታ ሃገር ብልውውጥ ሓበሬታ፣ ህንፀት ዓቕሚ፣ ደገፍን ምትሕብባርን ቴክኒክ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ዘተ ተኻይዱ።

ወተሃደራዊ ምትሕብባር ሓበሬታን ድሕንነትን ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ክብ ንምባል ምልዛቦም ኣብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሪያድ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.