Fana: At a Speed of Life!

ወፍሪ ምጥቃዕ ሩሲያ ምጥንካሩ ስዒቡ ወታደራት ዩክሬን ከምዘንሳሓቡ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ወፍሪ ምጥቃዕ ሩሲያ ምጥንካሩ ስዒቡ ዩክሬን ወታደራታ ኣብ ከባቢ ዶብ ግዝኣት ካርኪቭ ካብ ዝርከባ መንደራት ከንሳሕቡ ከምዝገበረት ተገሊፁ።

ኣቐባሊ ቃል ሰራዊት ዩክሬን ከምዝገለፁ፤ እቶም ወታደራት ብውሽጢ ከቢድ ተኹሲ ሓሊፎም ናብ ሰሜን ምብራቕ ክፋል እታ ሃገር ብዝበለፀ ምቹው ናብ ዝኾኑ ክልተ ከባቢታት ተዘዋዊሮም፡፡

ፕሬዚዳንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ እውን ወታደሮም ሓዱሽ ዶብ ዝሳገር ዝበሉዎ ወረራ ንምቁፅፃር እናተቓለሱ ከምዝኾኑ ምግላፆም ስዒቡ ኩሎም ናይ ወፃኢ ጉዕዞታት ከምዝሰረዙዎም ተገሊፁ።

ሓይሊ ጦር ሩሲያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብቲ ከባቢ ክልተ ተወሳኺ መንደራት÷ ሉኪያንትስኪን ሂሊቦኬን ከምኡ እውን ኣብ ግዝኣት ደቡብ ዛፖሪዢያ ትርከብ መንደር ሮቦቲን ከምዝተቖፃፀረ ገሊፃ።

ይኹን እምበር ኣብዚ ጉዳይ ብወገን ዩክሬን ክሳብ ሕዚ ዝተውሃበ ርኢቶ ከምዘይነበረ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.