Fana: At a Speed of Life!

ውሽጢ ውሽጢ ባሕሪ ዘቋርፅ ዘበናዊ መገዲ ቻይና ህንፀቱ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ደቡብ ቻይና ግዝኣት ጓንግዶንግ ዝተሃነፀ ሓዱሽ ብውሽጢ ባሕሪ ዘቋርፅ ዘበናዊ መገዲ ህንፀቱ ከምዝተዛዘመ ተገሊፁ።

ክሳብ 6 ነጥቢ 8 ኪሎ ሜትሮ ዝሽፍን እቲ ናይ በዓልቲ መገዲ÷ ኣካል ሼንዘንን ዞንግሻንን ዘራኽብ 24 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ኣውራ ጎዳና ከምዝኾነ ተሓሩ።

መራኸቢ መገዲ ሼንዘን-ዞንግሻን÷ ኣብ ዓብዪ ባሕሪ ወሽመጥ ጓንግዶንግ- ሆንግ ኮንግ- ማካኦ ቀንዲ ፕሮጀክት ትራንስፖርት ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ሓደ በዓልቲ ውሽጢ ማይ፣ ክልተ ድልድላትን ክልተ ሰብ ስራሕ ደሴታትን ዝሓቖፈ እንትኸውን÷ እዚ ድማ ኣብ ዓለም ካብ ዝርከቡ ኣዚዮም ፈተንቲ ባሕሪ ዘቋርፁ ፕሮጀክታት ሓደ ከምዝገብሮ ተሓቢሩ።

እቲ መቋረፂ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2024 ንትራፊክ ክፍቲ ከምዝግበር ዝተገለፀ እንትኸውን÷ ናብ ስራሕ እንትኣቱ ካብ ሼንዘን ናብ ዞንግሻን ዝወስድ ዝነበረ ክልተ ሰዓት ናብ 20 ደቒቕ ከምዝወርድ እውን ተገሊፁ።

መራኸቢ መገዲ ሼንዘን-ዞንግሻን ከም ሆንግ ኮንግ-ዙሃይ-ማካኦ ምስ ዝበሉ ነባር መስመር ድልድላት ብምጥማር ኣብ ከባቢ ዓብዪ ወሽመጥ ባሕሪ መቋረፂ ናሕሪን መተሓላለፍቲ ሩባታትን ከምዝፈጥር እውን ሲ ጂ ቲ ኤን ፀብፂቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.