Fana: At a Speed of Life!

ውድድር ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ዓመተ 2023/24 ሎሚ ምሸት መፈፀምትኡ ክረክብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዘበነ ውድድር 2023/24 ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ ምሸት ሰዓት 12፡00 ብተመሳሳሊ ሰዓት ብዝግበሩ ፀወታታት ክዛዘም ኢዩ።

መሪሕ እቲ ሊግ ማንቼስተር ሲቲን እናተኸተለት ትርከብ ጋንታ ኣርሰናልን ፅዋዕ ናይ ምዕታር ዕድል ሒዘን ኣብ ሜዳአን ንተጋጠምተን ከተኣአናግዳ ኢየን።

ማንቼስተር ሲቲ ኣብ ስታዲዬም ኢቲሃድ ምስ ዌስትሃም ዝገብረኦ ትገብሮ ፀወታ ብዓወት እንተዛዚማ÷ ንተኸታታሊ ኣርባዕተ ናይ ውድድር ዓመታት ፅዋዕ ፕሪሚየር ሊግ ብምልዓል ሓዱሽ ታሪኽ ክተፅሕፍ ኢያ።

ማንቼስተር ሲቲ ማዕረ ወይ ድማ እንተተሳዒራን ኣርሰናል ኣብ ስታዲየም ኤሚሬትስ ምስ ኤቨርተን ትገብሮ ፀወታ እንተተዓዊታን ድማ ኣርሰናል ሻምፒዮን እቲ ሊግ ምዃና ክተረጋግፅ ኢያ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.