Fana: At a Speed of Life!

ዓውዲ ውልቀ ሞተር ምዕባለ ኢትዮጵያ ኢዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓውዲ ውልቀ ሞተር ምዕባለ ኢትዮጵያ ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መበል 20 ሓፈሻዊ ጉባኤ ትካላት ልምዓት ኢንዱስትሪ ሕቡራት መንግስታት ብምርካብ መደረ ኣስሚዖም።

ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ካብ 2016 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንምዕባይን ድኽነት ንምቕናስን ብዘለና ዓቕሚ ኩሉ ሰሪሕና ኢና ኢሎም።

ብዙሓት ፈተናታት ብመፅዋር ኣብ ዕድላት ብምድሃብ ምምሕያሻት ብምትግባር ውፅኢት ምምዝጋብ ጀሚርና ኣለና እውን ክብሉ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፥ ራእይና ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዘለዋ ዓምዩቕ ዓቕሚ ምልላይን ብዘለዋኣ ትካላት ከምኡውን ብዝሰልጠነ ሓይሊ ሰባ ምዕባለኣ ምርግጋፅን ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ናብ ምዕባለ እትገብሮ ጉዕዞ ኩለ መዳይ መገዲ ምዕባለ ዝሓቖፈ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

እዚ ድማ ኣብታ ሃገር ፍትሓዊ ምዕባለ ንምምዝጋብ ከምዝሕግዝ ሓቢሮም።

ኢትዮጵያ ንዓውዲ ኢንዱስትሪ ቀዳምነት ብምሃብ ትሰርሕ ከምዘላ ብምግላፅ፥ ብፍላይ ብዓውዲ ዕደና ንምዕባለኣ ተስፋ ዝህቡ ውፅኢታት ዝረኣየሉ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ካብ ድኽነት እትላቐቕ ብኹሎም ዓውዲታት ፍርያት ብምስሳን፣ ምቹእ ኣማራፅታት ኢንቨስትመንትን ንግዲን ብምፍጣር ከምዝኾነ ብምእማን በቢእዋኑ ኣብ ነባራዊ ኩነታት እዛ ሃገር ጠመተ ዝገበረ ምምሕያሻት ፖሊሲ ትገብር ከምዝላ ሓቢሮም።

ብመሰረት እዚ ከም ቴሌኮሙኒኬሽንን ባንክን ዝበሉ ቁልፊ ዓውዲታት ኢኮኖሚ እዛ ሃገር ካብ መንግስቲ ናብ ውልቀ ንምስግጋር ይስራሕ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ሃገር ቦቆል ምምሕያሽ ፖሊሲ ብዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት ተሳትፎ ውልቀ ዓውዲ ክብ ንክብልን ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ኢንቨስት ንክገብሩን ዘተባብዕ ከምዝኾነ ድማ ገሊፆም።

ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንምምዕባል ምምሕያሻት ፖሊሲ ብምግባር ዓውዲ ኢንዱስትሪ ንኹሉ ክፍቲ ገይርና ኢና ኢሎም።

ግብርና ፣ ቱሪዝም፣ ኣይ ሲ ቲን ወዘተ ዓንዲ ምዕባለ ኢትዮጵያ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፥ እቲ ዓውዲ ንምዝማንን ንምምዕባልን ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተሰርሑን ይስርሑ ከምዘለዉን ኣብሪሆም።

ከም ስርናይ፣ ቡንን ኣቨካዶን ዝበሉ ኣታዊ ኣብ ዘርክቡ ፍሪያታት ጠመተ ብምሃብ ይስራሕ ከምዘሎ እውን ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ናይ ምዕባለ ዓማውቲ፥ ሓፈሻዊ ክሕረስ ዝኽእል መሬት ካብ 15 ነጥቢ 3 ሚሊየን ሄክታር ናብ 22 ነጥቢ 9 ሚሊየን ሄክታር ምዕባይ ከምዝተኽኣለ ኣብቲ ዝገበርዎ መደረ ተዛሪቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.