Fana: At a Speed of Life!

ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓለም ለኸ ትካላትን ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ዝኣወጀቶ ቅዋም ምቁራፅ ተኹሲ ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓለም ለኸ ትካላትን ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ምቁራፅ ተኹሲ ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦመግለፂ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዝወሰዶ ምቁራፅ ተኹሲ ፅቡቕ ስጉምቲ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ፡፡

እርምጃው በክልሉ የሚስተዋለውን ግጭት ማስቆም እና የሰብዓዊ እርዳታ ያለምንም ገደብ ድጋፍ ለሚሹ ወገኖች እንዲሰራጭ ካስቻለ አበረታች ውጤት ሊያመጣ እንደሚችል በመግለጫው አመላክቷል

እቲ ስጉምቲ ኣብቲ ክልል ዝረአ ጎንፂ ጠጠው ክብል ምግባርን ሰብ ኣዊ ሓገዝ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ገደብ ሓገዝ ንዝደልዩ ወገናት ንኽከፋፈል ዘኽእል እንተኾይኑ ውፅኢት ከምፅእ ከምዝኽእል ኣብ መግለፂኡ ኣመላኺቱ፡፡

ሕቡራት ኢሚረታት ዓርብ ብግደኣ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ዝወሰዶ ውሳነ በይናዊ ምቁራፅ ተኹሲ ከምትድግፍ ገሊፃ።

እቲ ውሳነ ኣብቲ ክልል ኢሉ እውን ኣብታ ሃገር ዘላቒ ሰላምን ምርግጋዕን ንምዕሳል ዝፃወቶ ግደ ዕዙዝ ከምዝኾነ፥ ቤት ዕዮ ጉዳያት ወፃኢን ዓለም ለኸ ምትሕብባርን ኣፍሊጡ፡፡

ቻይናን ብሪታኒያን እውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዘኣወጆ በይናዊ ምቁራፅ ተኹሲ ከምዝድግፋ ገሊፀን፡፡

ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ብግድኡ፥ እቲ ውሳነ ትኽክለኛን ዝበረታታዕን ስጉምቲ ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

ኣቦ መንበር እቲ ኮሚሽን ሙሳ ፋኪ መሃማት ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ኣብ ዘውፅኡዎ መግለፂ፥ እቲ ዝተኣወጀ ውሳነ ምቁራፅ ተኹሲ ሰብኣዊ ሓገዝ ንተጎዳእቲ ኣብ ግቡእ ሰዓቱ ንምብፃሕን እቲ ፀገም ኣድላዪ ስጉምቲ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ እውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዘኣወጆ በይናዊ ምቁራፅ ተኹሲ ከፅቡቕ ስጉምቲ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.