Fana: At a Speed of Life!

ጅቡቲ ካብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እኹል ትምህርቲ ወሲዳ ኢያ – መሐመድ ኣብዱላሂ ሙሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጅቡቲ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝተወገነ ተግባር መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እኹል ትምህርቲ ከምዝወሰደት ሚኒስትር ሓለዋ ከባቢን ዘላቒ ልምዓትን እታ ሃገር መሓመድ ኣብዱላሂ ሙሳ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብ ከተማ ዱባይ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ጉባኤ ኮፕ 28  ዘሰናደአቶ መካነ ርዕይ/ፓቪሊዮን/ ሓምለዋይ ኣሰር መራሕቲ ሃገራት፣ ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ እናጎብነዩዎ ይርከቡ።

ነቲ ፓቪሊዮን ዝተዓዘቡ ሚኒስትር መሓመድ ኣብዱላሂ ሙሳ ከምዝገለፁዎ÷ ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኢትየጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት ዝወገነቶም ተግባራት ዘደንቑ ኢዮም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ጅቡቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሰርሐ ሓምለዋይ ልምዓት ልማት ተግባራዊ ንምግባር ብሚኒስትር ሕርሻ እታ ሃገር ኣቢሉ ጥንኩር ስራሕቲ ከምዝስራሕ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.