Fana: At a Speed of Life!

ግዚያዊ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ምዝዛሙ ስዒቡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ጋዛ ደብዳብ ተካይድ ኣላ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ግዚያዊ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ምዝዛሙ ስዒቡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ጋዛ ደብዳብ ተካይድ ኣላ ተባሂሉ።

ኳታር፣ ግብፂን ኣሜሪካን ሓዊሱ ካልኦት ዓለም ለኸ ኣሸማገልቲ እቲ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ክሳብ ሎሚ መዓልቲ ክናዋሕ ፃዐሪ እናገበረ ፀኒሐን ኢየን፡፡

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን÷ እስራዔል ኣብ ጋዛ ተብፀሖ መጥቃዕቲ ንኽትቅፅል ትልሚ ከምዘለዋ ኣምኪቶም፡፡

ድሕሪ ሻውዓይ መዓልቲ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ሎሚ መዓልቲ ብቡምባን መድፍዕን ተሓጊዙ ከም ብሓዱሽ ዝቐፀለ መጥቃዕቲ÷ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ፍልስጤማውያን ጉድኣት ከየብፅሕ ልዑል ጥንቃቐ ክግበር ከምዝግባእ ብሊንከን ከምዘተሓሳሰቡ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ፡፡

ክሳብ ሐዚ ኣብ ጋዛ ልዕሊ 15 ሺሕ ፍልስጤማውያን ሕይወቶም እንትስእኑ÷ 1 ሺሕን 200 ዝኾኑ እስራኤላውያን ህይወቶም ከምዝሓለፈ ሓበሬታታት የመላኽቱ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.