Fana: At a Speed of Life!

ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ምፍራይ ምህርቲ “PPC” ንግዚኡ ከምዘቋረፀ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ምፍራይ ምህርቲ “PPC” ንግዚኡ ከምዘቋረፀ ኣፍሊጡ።

እቲ ፋብሪካ ምስ እታወት ወይ ጥረ ኣቕሓ ሲሚንቶ ዝተኣሳሰረ ጊዜያዊ ፀገም ስለዘጋጠሞ ምፍራይ እቲ ምህርቲ PPC ብግዚያዊነት ከምዘቋረፆ ኢዩ ገሊፁ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን “OPC” ዝዓይነቱ ስሚንቶ ጥራሕ የፍሪ ምህላው ብምግላፅ፥ ብምኽንያት ግዚያዊ ምቁራፅ ምህርቲ “PPC”  ኣብ ዕዳጋ ንዝተፈጠረ ፀገም ይቕሬታ ሓቲቱ።

ዘጋጠመ ጊዜያዊ ፀገም ንምፍታሕ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዃን ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ መልእኽቱ፥ “ኣብ ሓፂር ጊዜ ፀገማትና ፈቲሕና ናብ ንቡር ፍርያትና ስለ እንምለስ ነዚ ብምግንዛብ ኩሉ ሰብ ብኽባር ዋጋ ሲሚንቶ ካብ ምዕዳግ ክቑጠብን ብትዕግስቲ ክፅበይን ይግባእ” ክብል ተላቢዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.