Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲ ብልፅግና ካልኣይ ተርባይን  ግድብ ህዳሰ ምፍልፋል ሓይሊ ብምጅማሩ ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ አመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ምጅማር ምፍልፋል ሓይሊ ካልኣይ ተርባይን ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ አመሓላሊፉ።

እቲ ፓርቲ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ እዚ ዕለት ዓርማ ኢትዮጵያዊነትና፣ ኣሰር ሓበራዊ ፃዕርና ዝኾነ ግድብ ህዳሰ ሓይሊ ዘፈልፈለሉ ታሪኻዊ ዕለት ኢዩ ኢሉ።

ብዛዕባ ምዕባለ ኢትዮጵያ ናይ ሓባር ራእይ ብምስናቕ ብሓባር ዝጀመርናዮ፣ ውፃእ ውረድ ብሓባር በዲህና፣ ዝሓሰብናዮ ካብ ምዕዋት ዝኾነ ይኹን ኣካል ደው ከምዘየብለና ብተግባር ኣርኢና ኢና ክብል እውን ገሊፁ።

ንሕና ኢትዮጵያዊያን ንናይ ሓባር ዕላማ ብሓባር ደው እነተኢልና ዝኾነ ይኹን ፈተና ብምስዓር ብዓወት ከምእንምርሽ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ህያው ምስክርና ኢዩ ብምባል ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ገሊፁ።

ስለዝኾነ ምጅማር ምፍልፋል ሓይሊ ካልኣይ ተርባይን ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቱ አመሓላሊፉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.